ወሽመጥ ዖማን፡ ክልተ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ተባሪዐን

ኣገልግሎት ዜና ኢራን፡ ኢንሳ፡ ዝዘርግሖ ዘይተረጋገጸ ስእሊ ናይ ሓንቲ ብሐዊ ትነድድ መርከብ Image copyright ISNA via Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣገልግሎት ዜና ኢራን፡ ኢንሳ፡ ዝዘርግሖ ዘይተረጋገጸ ስእሊ ናይ ሓንቲ ብሐዊ ትነድድ መርከብ

እቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብኢራን ዝተፈጸመ ምዃኑ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማይክ ፓምፐዮ ዘቕረበላ ክሲ፡ ኢራን ብትሪ ነጺጋቶ።

ኣመሪካ፡ ናይ ስለያ ገምጋም ከም ዝገበረትን፡ ብመሰረት እቲ ኣብተን መራኽብ ዝተተኮሰ ኣጽዋር ነቲ መጥቃዕቲ ኢራን ከም ዝፈጸመቶ ክፈልጡ ከም ዝኸኣሉ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ ሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን፡ "ኢራን ኣብቲ ሓደጋ ኢድ የብላን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ናይ ክልተ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ባርዕ ዘጋጠመን ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ብሰላም ድሒኖም።

21 ኣባላት ናይ ሓንቲ ዋንነታ ናይ ጃፓን ዝኾነት፡ ኮኩካ ካረጀስ ዝተባህለት መርከብን፡ ካልኦት 23 ካብ ሓንቲ ፍሮንት ኣልታየር ዝተባህለት ናይ ኖርወይ መርከብን ከም ዘድሓነት ኢራን ገሊጻ።

ይኹን 'ምበር፡ ኣሜሪካ፡ ነቲ ናይ ኢራን ሓበሬታ ብምንጻግ፡ ሓይሊ ባሕራ ንገለ ካብ ኣባላት ናይተን መራኽብ ከም ዘድሓነ ኣፍሊጣ።

ጠንቂ ናይቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ኣይተፈልጠን። እቲ ሓደጋ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ኣብ ዘለሉ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ።

"ገለ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘሎ ዝምድና ከበላሽውዎ ይፍኑትኑ ኣለዉ" ክብል'ውን ከሲሱ።

እዚ መጥቃዕቲ'ዚ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ክሊ ማያት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ኣሜሪካ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ኢራን'ያ እኳ እንተበለት፡ ኢራን ብወገና ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

ሓደ ነታ ናይ ኖርወይ መርከብ ተኻርይዋ ዝርከብ ናይ ታይዋን ኩባንያ መጻረዪ ነዳዲ፡ 75 000 ቶን ናፍታ ጺዒና ከም ዝነበረት ብምግላጽ፡ "ብዝተተኮሰ ቶርፔዶ ተሃሪማ ክትከውን ከም እትኽእልን ጥርጣረ ኣሎ" ክብል ሓቢሩ።

ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ፍሮንትላይን ብወገኑ፡ እታ መርከብ ባርዕ ከም ዘጋጠማ ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ኢራን ዝተናፈሰ ከም ዝጠሓለት ዝገልጽ ወረ ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣካያዲ ናይታ ኮኩካ ካረጀስ ዝተባህለት መርከብ ድማ፡ ኣባላት እታ መርከብ ብሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት መርከብ ከም ዝደሓኑ ብምግላጽ፡ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከም ዘየጋጠማ ኣረጋጊጹ።

እታ መርከብ መታኖል ዝጸዓነት ምዃናን፡ ጽዕነታ ሓደጋ ከም ዘየጋጠሞን'ውን ሓቢሩ።